ንብዙሓት ሃገራት ዝጸለወ ዓለማዊ ብልሽት ማይክሮሶፍት ንበረራታትን ካልእ ንጥፈታትን የተዓናቕፍ

ካብቲ ዝዓበየ ምብልሻው ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ምዃኑ ዝተዘርበሉ ምቍራጽ ማይክሮሶፍት ንበረራታት፡ ባንክ፡ ስርሓት ዜናን ኣተዓንቒፉ። እቲ ምትዕንቓፍ ጸረ-ቫይረስ ንምትካእን ምሕዳስን ኣብ ዝነበረ መስርሕ ከም ዘጋጠመ ተፈሊጡ ኣሎ።

በቲ ዝተፈጥረ ሃንደበታዊ ብልሽት፡ መብዛሕትአን ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ መንገዲ ኣየራት፡ ዓርቢ ንግሆ በረራታትን ክስርዛ ተገዲደን’የን። መንገዲ ኣየር ኣመሪካ ግን ድሒራ በረራ ጀሚራ’ያ።

ኣብ ዝበዝሓ መዓርፎ ነፈርቲ በበይነን ከተማታት፡ ንተጓዓዝቲ ከሳፍራ ስለ ዘይከኣላ ስራሕተን ደው ኣቢለን ኣርፊደን።

ማይክሮሶፍት እቲ ብልሽት ሓሙስ ለይቲ ከም ዝጀመረ ኣመልኪቱ'ሎ።

rt

ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምስተርዳም፡ ክሳብ ደልሂ፡ ኒው-ዮርክን ዙሪክን ዳርጋ መብዛሕትአን ዓበይቲ መዓርፎ-ነፈርቲ ምትዕንቓፍ ከም ዘጓነፈንን በረራታት ክዝርዛ ወይ ከዳንጉያ ተገዲደን ኣለዋ። ኣብተን መዓርፎ ነፈርቲ ተጓዓዝቲ ነዊሕ መስመር ሒዞም ክጽበዩን ከዕለብጡን ይርኣዩ።

እቲ ብልሽት ግን ንመጓዓዝያ ጥራይ ኣይኰነን ጸልዩ።

ሓያሎ መራኸቢታት’ውን ፈነወታተን በቲ ብልሽት ተጸልዩ’ዩ። ካብ መንጎአን ናይ እንግሊዝ ስካይ ነውስ (Sky News) ከምኡ’ውን ናይ ኣውስትራሊያ ኤቢሲ (ABC) ናይ ንግሆ ፈነወታተን ብኸቢድ ከም ዝተጸልወ ጸብጺበን። ድምጺ ኣመሪካ’ውን ብተመሳሳሊ በቲ ብልሽት ተጸልዩ’ዩ።

ብልሽት ማይክሮሶፍት ንባንክታት’ውን ጸልዩ’ዩ። ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ዓዲ-እንግሊዝን ባንክታት ዓማዊለን ገንዘብ ከሰጋግሩ ከም ዝተጸገሙ ሓቢሮም።

ብሰንኪ እዚ ኣብ መራኸቢታት ዝተራእየ ምትእጉጓል ዕዳጋታት ስቶክ ኤስያ ተጸልዩ ኣርፊዱ። ብዘይካ’ቲ ናይ ኢንተርነት ብልሽት፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርአ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ውድድር’ውን ከም ዝጸለዎ ዜና ኣገልግሎት ኣሶሸዩትድ ፕረስ ይሕብር።