ጋና ንክታበት ሕማም ዓሶ ፍቓድ ሂባ

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ብናይ ብሪጣንያ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ዝተሰርሐ ክታበት ሕማም ዓሶ፡ ኣብ ዓለም ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ጋና ፍቓድ ረኺቡ።

እቲ ክታበት ፍቓድ ረኺቡ ዘሎ ነቶም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 36 ወርሒ ዝዕድሚኦም ህጻናት ክወሃብ`ዩ።

መግለጺ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ እዚ ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ንህጻናት ጋና ከምኡ`ውን ኣፍሪቃውያን ህጻናት ንዓሶ ብኣድማዕነት ክዋግኡ ክሕግዞም`ዩ ይብል።

ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ነቲ R21/Matrix-M ዝተባህለ ክታበት ዓሶ ብኣድማዕነት ንምምዕባል ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ጽዑቕ መጽናዕቲ ከካይድ ከም ዝጸንሐ ተመራመርቲ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እቲ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም ዓሶ ኣብ 2020 ዓ.ም ጥራሕ 627 ሺሕ ሰባት ከም ዝቐተለን መብዛሕቲኦም ድማ ኣፍሪቃውያን ህጻናት ምዃኖም እቲ ኣህጉራዊ ጉጅለ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ`ሎ።

ዝሓለፈ ዓመት`ውን ብGSK ዝተባህለ ፋብሪካ መድሃኒት ብሪጣንያ ዝፈረየ መድሃኒት ኣብ ቆልዑት ኣፍሪቃ ተጠቂሙ ኔሩ`ዩ፡ እንተኾነ 60% ጥራሕ ኣድማዒ ምዃኑ ዝተሓበረ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን 77 % ኣድማዒ ክኸውን ከም ዝኸኣለን ብውድብ ጥዕና ዓለም ተቐባልነት ከምዝረኸበን ይግለጽ ኣሎ።