መቐለ —
ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ 2023 ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ ብመሪሕነት ህወሓት ተጸዊዑ ዝተባህለ ኣኼባን ተፈጢሩ ንዝበሎ ምድንጋርን መብርሂ ሂቡ።
ኣይተ ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ መንግስታዊ መዝነቶም ንዝተላዕሉ ሰብ-መዚ’ውን ጠቒሱ ኣሎ።ንመግለጺ ኣቶ ጌታቸውን ግብረ-መልሲ ናይ ሓደ ካብቶም ካብ መዝነቶም ተላዒሎም ዝተባህሉን ኣጣሚሩ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።