ጀርመን: ግዙፍ ነታጒ ካልኣይ ኩናት ዓለም መኺኑ

ኣብ እዋን ካልኣይ ኩናት ዓለም ብናይ ብሪጣንያ ሓይሊ ኣየር ኣብ ጀርመን ዝተሰንደወ ግዙፍ ነታጕ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ጀርመን ምምካኑ ተገሊጹ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሰብ ሞያ ነታጒ ጀርመን ግዙፍ ነታጒ ካልኣይ ኩናት ዓለም ምምካኖም ተገሊጹ

ሰብ ሞያ እቲ ነታጕ ካብ ዝተረኽበሉ ከባቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣስታት 65,000 ሰባት ካብቲ ቦታ ምግዓዞም’ውን ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ሰብ ሞያ ዲተር ስዋንቲዝለር “ ኩሉ ነገር ብዘይ ጸገም እዩ ተወዲኡ። ካብ ሰዓታት ወጋሕቲ ጀሚርና ኣብቲ ቦታ ኔርና። እቲ ጸቕጢ ልዑል ኔሩ እንተኾነ ሓንሳብ ክንሰርሕ ምስ ጀመርና ግን ንኩሉ ረሲዕናዮ። ኩሉ ነገር ድማ ብጽቡቕ ተዛዚሙ” ኢሉ።

እዚ 1.4 ቶን ዝኽብደቱ ነታጕ ካልኣይ ኩናት ዓለም ሓደገኛን ንምምካኑ ኣጸጋሚ ምኳኑን እቶም ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ሰብ ሞያ ብተወሳኺ ምምካን እቲ ነታጕ ብዓወት እንተዘይውዳእ ዝነበረ ዓብይ ጉድኣት መውረደ ኔሩ ይብሉ።