ቅልውላው ኢትዮጵያ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ እንተዘይተፈቲሑ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝፍጠር ኢታ ማጆር ሹም ነበር ጀነራል ጻድቃን ኣጠንቂቖም (ሳልሳይ ኽፋል)

  • ገብረ ገብረመድህን

ጀነራል ጻድቃን

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ሓሳብ ንዘቕርቡ ሰባት ከም ፀላእቲ ምርኣይ ‘’ዝገደደ ፃልኢ ንምምፃእ ዝጠቅም እምበር ነቲ ህዝቢ ዝጠቅም ኣይመስለንን’’ ይብሉ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው፣መንቀሊኦምን ናይ መፍትሒ ሓሳባትን ብዝምልከት ፅሑፍ ብምቕራቦም ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ መልሲ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓሳብ ብሓስብ ምምላስ ከምፃልኢ ምርኣይ ሃናፂ ኣይኮነን ኢሎም ጀነራል ፃድቃን።

ብኻሊ ወገን ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ‘’ምስ ኤርትራ ዘይተዛዘመ ኲናት ኣለና’’ ዝበሉዎም መብርሂ ክህቡ ተሓቲቶም ‘’እዚ ኣይሰላም ኣይኲናት ዘሎ ኩነታት ንምግላፅ እዩ’’ ምስ በሉ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንእሽተይ ምኽንያት ክረክብ ከሎ ክባራዕ ከምዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ፆሮና ዝነበረ ቶኽሲ ኣብነት እዩ ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ምስ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ዝተኻየደ ቃል ምልልስ ሳልሳይ ኽፋል

Your browser doesn’t support HTML5

ጀነራል ፃድቃን ምስ ኤርትራ ዘይተወደአ ኲናት ኣለና ዝበሉዎ