ኣተዓረቕቲ ሓማስን እስራኤልን ጎንጺ ንምዕራፍ ተስፋኦም ይገልጹ

ቃዛ ፋይል

ሸምግለቲ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ሓማስን ዝዝትይሉ ናይ መወዳእታ ሰነድ ከም ዘቕረቡ ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣብቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ፡ ቐጠርን ግብጺን ኣብ ዶሓ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ መስርሕ፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እስራኤልን መሪሕነት ጸጥታ ሃገራትን ተራኺቦም ኣለዉ።

ልኡኻት ሓማስን እስራኤልን ኣብ ዶሓ ነቲ ሰነድ ከም ዝተቐበሉዎ ዘመልከቱ ሸምግለቲ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ትስፉው መደምደምታ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቶም። ሰብ-መዚ እስራኤል፡ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ንድፊ ሓማስ እንተተቐቢሎሞ ነቲ ጉዳይ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይዛረቡ። ኣብቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ፍልስጤማውያን’ውን ብተመሳሳሊ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ኣለዉ።

ብሰንበት፡ ብስልኪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ቓዛ ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ምፍታሕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያንን ውዓል-ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ዝመጽእ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ’ውን ናብ ዶሓ ተጓዒዙ ምስ ሰብ-መዚ ቀጠር፡ ግብጺን ድሒሩ ድማ እስራኤልን ተዘራሪቡ ኣሎ።

ድሕሪ 1,200 እስራኤላውያን ዝቐተለ ሃንደበታዊ መጥዕቲ ሓማስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023፡ ዛጊት ኣስታት 46-ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ምህላዎም ሰብ-መዚ ፍልስጤም ይገልጹ።

ኣመሪካ፡ ቐጠርን ግብጺን ንሽምግልና ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝገበረኦ ፈተነ ዛጊት ኣይቀንዐን።