መጥቃዕቲ ሆስፒታል ቓዛ ቁጥዐ ኣብ መላእ'ቲ ዞባ የልዕል

Your browser doesn’t support HTML5

ትማሊ ምሸት ሰሉስ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ነታጕ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምስተቐተሉን ምስ ቆሰሉን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ቁጥዐ እናዓበየ ይኸይድ ኣብ ዘለሉ ሕጂ እዋን ኣብ ቓዛ ዘለው ሓካይም ንዝቖሰሉ ንምድሓን ይቃለሱ ኣለው። እቲ ፍንጀራ መን ፈፂሙዎ ዝብል እስራኤልን ሓማስን ነንሕድሕዶም ይካሰሱ።