ብዝሒ ምዉታት ቓዛ 40 ሽሕ ኣብ ዝበጽሓሉ ሓማስ ዘይተረኽቦ ዘተ ሰላም ይጋባእ

ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ፍልስጤማዊያን ኣብ ቓዛ

ከም ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንነጀው ልዕሊ 40-ሽሕ ሲቪላውያን ኣብ ዝተቐትልሉ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ንምዕራፍ ሎሚ ኣብ ዶሓ ቀጠር ዝርርብ ይካየድ ከም ዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣብዚ ዕጹው ርክብ ሓላፊ ሰላይ ኣመሪካ፡ ግብጺን ቀጠርን ምስ ተወከልቲ እስራኤል ከም ዝተረኽቡ ክግለጽ እንከሎ፡ ጉጅለ ሓማስ ግን እቲ ኣቐዲሙ ዘቕረቦ ቅድመ-ኩነት ስለ ዘይተማልኦ ኣይተሳተፈን።

ሸምገልቲ ንኣዋርሕ ዝኣክል ንሰለስተ እብረ ምፍታሕ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት፡ ምስሓብ እስራኤል ካብ ቓዛን ምፍትሕ ፍልጤማውያን እሱራትን ከቀራርቡ ጸኒሖም’ዮም።

ብመትከል ሓምስን እስራኤል ኣብቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ብ31 ግንቦት ዝቐረበ መዛተዪ ነጥቢ ተረዳዲኦም’ዮም። እንተኾነ ክልቲኦም’ውን መጠናዊ ምትዕርራይ ይጠልቡ።

ካብ መንጎ’ቲ ዘየሰማምዕ ነጥብታት እስራኤል ኣብ ዶባት ግብጺን ወሰናስን ቓዛን ነባሪ መዓስከር ክትግበር ዝብል ንድፊ ሓምስ ይነጽጎ።