ኣብ ወረዳታት ኣርባምንጭ ዝተላዕለ ግጭት ስዒቡ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ይእሰሩ ከምዘለዉ ተገሊፁ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ከባቢ ኣርባምንጭ ዝርከባ ወረዳታት ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ምስ ሕቶ ሓድሽ ኣወዳድባ ኣውራጃ ብዝተሓሓዝ ዝተፈጥረ ፀገም ፀጥታ ብውሑዱ 60 ዝኾኑ ሰባት ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ኣባላትን ስድራቤት እቶም ዝተኣስሩ ሰባት ገሊፆም።
ካብ ብሄረሰብ ቁሸት ዘይሴ ናብቲ ፍሉይ ኣውራጃዊ ኣወዳድባ ንምእታው ዝቐረበ ሕቶ ስዒቡ ብዝተላዕለ ግጭት ተተሓሒዙ ካብ ዝተኣሰሩ ሰባት ሓደ ኣቐዲሙ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦ ቀሺ ኣስሬ ፋቴ ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣቅሽሽቲ መካነ ኢየሱስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ይርከብዎም።
በቲ ግጭት ሓሙሽተ ሰባት ምቅታሎምን ዝቆሰሉን ከምዘለዉን ሕጂ'ውን ኣብ ኣርባዕቲአን ቀበሌታት ዘይሴ ሰባት ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ይእሰሩ ምህላዎም በዓልቲ ቤት ቀሺ ኣስሬ ወ/ሮ ታደለች ቢናሶን ካልኦት ንደሕንነቶም ክበሃል ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩን መሰካኽር ዓይኒ ይዛረቡ። ንሳቶም ወሲኾም ኣብቲ ግጭት ንብረት ምዕናውን ገሊፆም። ነበርቲ ካልኦት ቀበሌ'ውን ከምኡ ንማእሰርትን መቅተልትን ከምዝተቓልዑ ካል ኦት ድማ ኣባይቶም ሓዲጎም ዝተመዛበሉ ሰባት ከምዘለውን ንሶም'ውን ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ብምግላፅ ነዚ ድማ ንሓይሊታት ፀጥታ መንግስቲ ተሓተቲ ይገብሩ። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣመሓደርቲ እተን ወረዳታትን ኣዘዝቲ ሓይሊታት ፖሊስን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ይኹን እምበር ኣብ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ንፓርቲ ኢዜማ ወኪሎም ኣብ ዘይሴ ዝተመረፁ ኣይተ ኣብርሃም ኣሞሼ ግን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ጀሚሩ “ሰባት ብግፍዒ ይእሰሩ ምህላዎም ግፍዕን ስቃይን እቲ ህዝቢ እውን ምቅፃሉ” ተዛሪቦም።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ወረዳታት ከባቢ ኣርባምንጭ ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት ፀጥታን ነበርቲን ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ምሟቶም ድምጺ ኣመሪካ ምሕባሩ ይዝከር።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ኸባቢ ወጥሪ ምንጋሱ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ገሊፁ ነይሩ።