ክልል ጋምቤላ -- ዝተጨወዩ ህፃናት ይምለሱ

Your browser doesn’t support HTML5

ብ ክልል ጋምቤላ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ወረዳ ጆር ዕጡቓት ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ካብ መንጎ ዝተጨወዩ 12 ህፃናት፣ እቶም ሸሞንተ ከም ዝተመለሱ ሰበስልጣን እቲ ክልል ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። በቲ ተፈፂሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፣ 51 ሰባት ከምዝተቐተሉን፣ ልዕሊ 6-ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉን እውን ሓቢሮም። ሓለፍቲ'ቲ ክልል ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍን ዝሰዓበ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላውን ንምዕራይ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይገልፁ።