ዋሽንግተን —
ሎሚ ሰሉስ 19 ሕዳር ኣብ ዝዛዘም ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-20 ኣብ ጉዳይ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ኲናት ዩክሬንን ማእኸላይ ምብራቕን ክዘራረቡ እዮም።
ፕረዚደንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናቺዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብቲ ኣብ ሪዮ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ 82 ሃገራት ንሶም ዝጀመርዎ ዓለምለኸ ምትሕብባር ኣንጻር ጥምየትን ድኽነትን ዝብል ኣብ ፈላማይ መዓልቲ'ቲ ዋዕላ ዓወት ረኺቦምሉ'ዮም።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ጥሪ ብትራምፕ ስለዝትክኡ ጎሊሖም ዝተርኣይሉ ኣይነበረን። ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ብጉጅለ ስእሊ ናይ ምልዓል ስነ ስርዓት እውን ኣይተሳተፉን።
ብዝተሓሓዘ ዜና ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝወፀ ሓባራዊ መርገጺ ናይቲ ዋዕላ መራሕቲ ኣብ ኣዛርባጃን ይካየድ ንዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ኩነታት ኣየር ዓብዪ ለውጢ ኣየበሰረን።
ንለውጢ ኩነታት ኣየር ዝኸውን ገንዘብ ኣየኖት ሃገራት ይመውልኦ ዝብል ዝፀንሐ ደውታ ኣየብቅዐን። እቲ ሓባራዊ መግለፂ እቲ ዘድሊ ገንዘብ ካብ ‘’ኩሉ ምንጭታት’’ ክመፅእ ከም ዘለዎ ይገልፅ።