ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ 'ምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው' የጋጥም ከምዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ገሊፁ

  • ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ኣሰቃቒ ኵናት ህወይቶም ከድሕኑ ናብ ሱዳን ይውሕዙ ዘለው ስደተኛታት ልዕሊ 30 ሽሕ በፂሑ ኣሎ ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት UNHCR።እቶም ስደተኛታት ዝብላዕ ይኹን ዝስተ ከምኡ እውን መፅለልን ሕክምናን ዝብሃል ከምዘይረኽቡ፣ኣደዳ ጥምየትን ዓፀቦን ይኾኑ ከምዘለው ይገልፁ።ዘሕለፉዎ ዝርከቡሉን ኩነታት ኣካፊሎምና ኣለው።

ጉዕሽ ወልደምህረት ይብሃል።ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑትን እዩ።ንሱ ንመዋእሉ ዝነበረላ ከተማ ሑመራ 1 ሕዳር 2013 ዓ\ም ካብ ዝተፈለለየ ኣንፈት ከቢድ ብረት ኣብ ልዕሊኣ ክዘንብ ምስ ጀመረ ህወቱ ከድሕን ምስ ስድርኡ ናብ ሱዳን ከምዝሃደመ ይገልፅ።ብኣንፈት ደቡብ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኣንፈት ሰሜን ድማ ካብ ኤርትራ ይውንጨፉ ብዝነበሩ ከበድቲ ብረት ኣብ ሕፅኖት ዝነበረት ሓንቲ መርዓትን ሓንቲ ካልእቲ ጓል ኣንስተይትን ከምዝተቐተላ ይገልፅ።ሽዑ ዝቖሰለ ህፃን እውም ምማቱ ድሕሪ ከምዝሰምዐ ይዛረብ።ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓምዳይት ሱዳን ምስ ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ፀገም ከምዝርከብ ይሕብር።

ምሕረትኣብ ገብረሚካኤል ዝብሃል ስደተኛ እውን ብዛዕባ ብዓይነይ ሪኢዮ ዝበሎ ቅትለትን ኣብ ሱዳን ሰሎ ሽግርን ይዛረብ።ንሱ ኣብ ከባቢ ሑመራ ሓሙሽተ ሰባት ብዕጡቓት ክቕተሉ ከለው ብዓይኑ ከምዝርኣየን ሃዲሙ ናብ ምሸላ ኣትዩ ህይወቱ ከምዘድሓነን ይዛረብ።ኣብ ጊዚያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓምዳይት ሰብ ብጥምየት ይጉዳእ ከምዘሎ እውን ይሕብር።

ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ባባር ባሎች እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ ኢሎም ብምፅዋዕ ዋሕዚ ስደተኛታት ማዕልታዊ ካብ ትግራይ 4,000 ስደተኛታት ናብ ሱዳን ይኣቲ ኣይሎ ኢሎም።እዚ ግጭት ብቕልጡ ጠጠው ክብል ፀዊዖም ኣለው።

ምሉእ ፀብፃብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ 'ምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው' የጋጥም ከምዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ገሊፁ