ትካል ፍረድ ሆሎውስ ዝተመስረተሉ መበል 30 ዓመት ተኸቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ትካል ፍረድ ሆሎውስ ዝተመስረተሉ መበል 30 ዓመት ተኸቢሩ

ፍረድ ሆሎውስ ፋውንዴሽን ኣብ ኤርትራ ዝተመስረተሉ መበል 30 ዓመት ሰሉስ 20 መስከረም 2022 ኣብ ኣስመራ ብዝተፈላለዩ መደባት ተዘኪሩ። እቲ ብኣውስትራልያዊ ሓኪም ፕሮፌሰር ፍረድ ሆሎውስ ዝጽዋዕ ትካል ኣብ ምምሕያሽ ሕክምና ዓይኒ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገብረ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ምክልኻልን ምቍጽጻርን ዑረት ዓይኒን ኣቶ ኣለም ዘካሪያስ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ትካል መፈረ መነጽር ውሽጢ ዓይኒ ፍረድ ሆሎውስ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ብወገኑ እቲ ትካል ብዘፍረዮ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ሰብ-ሰርሖ መነጸር ዓይኒ (ሌንስ) ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ዑረት ከም ዘገለገል ገሊጹ።