ዋሽንግተን —
ሰበስልጣን ፈረንሳ ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ፖሊስ ንሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምቕታሉ ስዒቡ ኣብ ፓሪስን ካልኦት ከተማታትን ብዝተላዕለ ተቓውሞን ዘይምርግጋእን 150 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ገሊፆም።
ሚንስተር ውሽጢ ሃገር ገራልድ ዳርማኒን ነቲ ማእሰርቲ ብትዊተር ኣቢሎም "ህድኣት ክህልው ዘይፅውዑ ክሓፍሩ ኣለዎም’’ ኢሎም።
መዋቲ ናኤል ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ናይ ትራፊክ ደው መበሊ'ዩ ብፖሊስ ተቐቲሉ። ወላዲት ኣዲኡ ንኽብሪ ውላዳ ሎሚ ሓሙስ ሰልፊ ክካየድ ፀዊዓ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን እቲ ቕትለት "መግለፂ ዘይብሉን ይቕረ ዘይብሃለሉን’’ እዩ ኢሎምዎ ኣለው። ማክሮን ብዛዕብኡ ንምዝርራብ ንሎሚ ሓሙስ ኣኼባ ካብኔ ምጽውዖም'ውን ተሓቢሩ'ሎ።