ዋሽንግተን —
ወዲ-34 ዓመት ጋብሬል ኣታል ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ብምዃን ተመዚዙ። ንጓል 62 ዓመት ኤልሳቤት ቦርን ዝትክእ ዘሎ ኣታል፡ ሰዓቢ ዝምድና ተመሳሳሊ ጾታ (ገይ) ምዃኑ’ውን ይፍለጥ።
መራኸቢታት ፈረንሳ፡ እቲ ወዲ-34 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ኣብ መበል 39 ዓመቱ ስልጣን ፕረዚደንት ዝተረከበ ኢማኑል ማክሮን፡ ኣብ 2027 ስልጣኑ ምስ ኣብቅዐ ክትክኦ ኣብ ምምልማል ከም ዘሎ ይጽብጽባ ኣለዋ።
ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ቀልጢፉ ናብ መሳልል ስልጣን ዝሓዀረ ጋብሬል ኣታል፡ ፈለማ ኣባል ታሕተዋይ ባይቶ እታ ሃገር፡ ኣብ 2017 ኣባል ባይቶን ድሒሩ ድማ ወሃብ-ቃል መንግስቲን ሚንስተር ባጀትን ኰይኑ ኣብ በበይኑ ጽፍሕታት ኣገልጊሉ’ዩ።
ጋብሪኤል ኣታል፡ ምስ ዕድመ ዝመጽእ ዋሕዲ ተመኵሮ ከም ዘለዎ ዘይከሓድ እኳ እነተዀነ፡ ዘይወላውል ስጕምታት ብምውሳድ ግን ኣብ ሓጺር እዋን ህቡብነት ከም ዘጥረየ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።
ካብ ኣይሁዳዊ ኣቦን ሩስያዊት ተኸታሊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ኣደ ዝተወልደ ኣታል፡ ፈለማ ደጋፊ ማሕበራዊ ሰልፊ ፈረንሳ’ዩ ነይሩ። ድሒሩ ግን ናብ ማእከላይ ሰልፊ ማክሮን ግዒዙ።