ፕሬዝዳንት ማክሮን ንግብፂ ኣፅዋር ንምሻጥ ሰብኣዊ መሰል ከም ቅድመ ኩነትት ኣይነቐምጥን ኢሎም

ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ንግብፂ ኣፅዋር ንምሻጥ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ቅድመ ኩነት ከምዘይቕረቡዎ ሎማዕንቲ ሶኑይ ገሊፆም።ምኽኒያቱ ድማ ካይሮ ኣንፃር ግብረ ሽበራ ንእተካይዶ ግጥም ዘዳኽም ክኸውን ድልየት ስለዘይብሎም ምዃኑ ሓቢሮም።

ማክሮን ነዚ ሪኢቶ ዝሃቡ ምስ ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ዓብድል ፈታሕ ኤል ሲሲ ኣብ ፓሪስ ተራኺቦም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።

ማክሮን ብመንግስቲ ሲሲ ንዝቐፀለ መግሃስቲ መሰላት ፀማም እዝኒ ይህቡ ኣለው ዝብል ክሲ እንተወሓደ 17 ናይ ፈረንሳይን ዓለምለኸን ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ እቲ ዑድት መግለፂ ኣውፂአን ነይረን።