ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብጹዕ ኣቡነ መርቀርዮስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

Your browser doesn’t support HTML5

ንኣስታት 27 ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑ ራብዓይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆርዮስ ሎሚ ረቡዕ ኣዲስ አበባ ኣትዮም። ምእመናንን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ናብ ጎደናታት ብበዝሒ ብምውጻእ ነቶም ፓትሪያርክ ተቐቢሎምዎም ኣለው።