ሰማያዊ ፓርቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምተአሰርዎ ገሊጹ

እንጂነር ይልቃል ጌትነት - ኣቦ-መንበር ሰማያዊ ፓርቲ

ኣብ ኢትዮጵያ ተቃዋሚ ፓርቲ ዝኾነ ሰማያዊ ፓርቲ ንቑሓት ተሳተፍቲ'ዮም ዝበሎም 4 ሰባት ከምተአሰሩዎ አፍሊጡ።

ኣቦ-መንበር'ቲ ፓርቲ ኢንጂነር ይለቃል ጌትነት ንድምጺ ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣዳላዊ ልሳን'ቲ ፓርቲ ዝኮነ ጋዜጣ 'ነገረ - ኢትዮጵያ'ን ካልኦት ሰለስተ ሰባትን ምኽንያቱ ብዘይንፈለጦ ዝበልዎ ምክንያት ከምተአሰሩ ገሊጾም።

ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ካብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ፡ ሕጋውን ሰላማውን ተቃውሞ ዘካየደ ዝኾነ ዝተአሰረ ሰብ የለን ፡ ዝተአሰሩ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብምትሕብባር ንሰላም'ታ ሃገር ንምዝራግ ዝተጠርጠሩ ጥራይ'ዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሰማያዊ ፓርቲ 4 ካብ ኣባላቱ ከምተአሰርዎ ገሊጹ