ፖሊስ ታንዛንያ 44 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ

ፋይል- ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ፖሊስ ታንዛኒያ ኣስታት 44 ንዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ታንዛኒያ ታንጋ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝተታሓዙ እዞም ስደተኛታት ዕላምኦም ናብ ዋና ከተማ ዳርኤ-ሰላም ንምኻድ ከምዝነበረ ገሊጾም ኣለው።

ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ እቶም ስደተኛታት መተንፈሲ ኣየር ኣብዘይረኽብሉ ዝተዓፈነት መኪና ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ኣፍሊጦም።

ካብቶም ስደተኛታት ሓደ ፍቅሩ ሰለሞን ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኣብዝወዓለሉ እዋን ስራሕ ደልዩ ከምዝመጸ ከምዚ ክብል ይገልጽ።

‘ካብ ኢትዮጵያ ኢና መጺና።ስራሕ ደሊና ኢና መጺእና።ካብ ዶብ ሞያሌ ብቐጥታ ናብዚ ዘምጽአና’ቲ መራሕ መኪና’ዩ።’

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እውን ልዕሊ 80 ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዶብ ታንዛኒያን ማላዊን ብፖሊስ ተታሒዞም ነይሮም።ብዝሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ታንዛኒያ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን 120 በጺሑ’ሎ።

መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብታንዛኒያ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ንምእታው ክሳብ 2000 ዶላር ንነጋዶ ደቂ ሰባት ከምዝከፍሉ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዛዕባ እዚኦምን ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፖሊስ ታንዛንያ 44 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ