ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ነበር ኣሕመድ መሓመድ ማሕሙድ ሲላኒዮ ሎሚ ዓርቢ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድሚኦም ከምዝዓረፉ ቴሌቭዥን ሶማሊላንድ ኣፍሊጣ።
ንሶም ኣብ 2010 ብድምፂ ህዝቢ ተመሪፆም ንሓሙሽተ ዓመት ኣገልጊሎም። ስልጣኖም ንኽልተ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ 2017 ካብ መዝነት ወሪዶም ብሕጂ ኣብ መሪሕነት ዝርከቡ ሙሰ ባሂ ዓብዲ ተኪኦምዎም።
ምኽኒያት ሕልፈቶም ኣይተገለፀን። ድሕሪ ጽባሕ ሰኑይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከምዝፍትስም ግን መንግስቲ ሶማሊላንድ ኣፍሊጡ'ሎ።
ንሶም ብኢትዮጵያ ናይ ዝድገፍ መራሒ ዓማፂ ጉጅለ ነይሮም።
ሞት ሲላኖ ዝስማዕ ዘሎ ሶማሊላንድ ራብዓይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድሕሪ ምክያዳ ክልተ መዓልታት እዩ።