ፌደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ንምኽትል ዳይሬክተር መርበብ ድሕነት ኢንፎርመሽን ነበር ሌ/ኮነሬል ቢንያም ተወልደ ዝሃቦ መሰል ዋሕስ ዓቃቢ ሕጊ ብዘቕረቦ ጥርዓን ብቤት ፍርዲ ሰማዒ ይግባይ ተኣጊዱ።
ዓቃቢ ሕጊ ይግባይ ዝበለሉ መርትዖ ሒዙ ንክቐርብ ብዝተውሃቦ ትእዛዝ መሰረት ብዘቕረቦ መርትዖ ነቲ ናይ ዋሕስ መሰል ከምዘአገዶ ጠበቓ ተኸሳሲ ኣቶ ሃይለስላሰ ገብረመድህን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።
ኣቶ ሃይለስላሴ ብምውሳኽ ብቤት ፍርዲ ዝተፈቐደ ናይ ዋሕስ መሰል ግቡእን ሕጋውን ከምዝነበረ ብምግላፅ እቲ እገዳ እውን ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተፈፀመ እዩ ኢሎም።
ዳይሬክተር መርበብ ድሕነት ኢንፎርመሽን ነበር ሌ/ኮነሬል ቢንያም ተወልደ 26 ሰነ 2010 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ ኮይኖም ዓቃቢ ሕጊ ንዘቕረበሎም ዝተፈላለዩ ሓሙሽተ ናይ ብልሽውናን ካልኦትን ገበናት ኣብ ምክርኻር ይርከቡ።ጉዳዮም ን26 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም ቆፀሮ ተዋሂቡዎም ኣሎ።