ልዕሊ 8.5 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሕ/ሃ ኣፍሊጡ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓለፍቲ ሰለስተ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ናብ ኢትዮጵያ በጺሖም። ዕላማ እቲ ዑደት ነቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ስግኣት ውሕስነት መግብን ዝተመጣጠነን መግብን ንምጉላሕ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብቲ ብዝኸፍአ ዝተጠቕዓ ቦታታት እታ ሃገር ዝናብ ንሳልሳይ ጊዜ ብምድንጓዩ ልዕሊ 8.5 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም ተሓቢሩ’ሎ።