ባህርዳር —
ሽማግለታት ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ወረዳ ቡግና፣ ክልል ኣምሓራ፣ ምስ መንግስቲን ፋኖን ድሕሪ ዘካየድዎ ስምምዕነት፣ ሓገዝ እኽሊ ኣብ’ቲ ወረዳ ናብ ዝርከቡ ተጸበይቲ ምእታው ከምዝጀመረ ተፈሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግብን ሰሜን ወሎ ኣቶ ኣለሙ ይመር ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጾ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፋኖ ስለዝርከብ፣ መንግስቲ ንዘጋጠነ ሕጽረት መግቢ ስሉጥ ምላሽ ክህበሉ ኣይካኣለን ይብል ኢሉ።
ሽማግለታት ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዘካየድዎ ጻዕሪ ንልዕሊ 110-ሽሕ ህዝቢ ዝኸውን 16-ሽሕ ኩንታል እኽሊ ናብ’ቲ ወረዳ ይላኣኽ ኣሎ ክብል ኣቶ ኣለሙ ምሕባሩ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ።