ዋሽንግተን —
ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣንጀሊኖ ላንፋኖ ምስ እቲ ናይ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ሃገራዊ ጥምረት ሊብያ ቀዳማይ ሚንስትር ፋይዝ ሲራጅን ምስ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት መሓመድ ሳይላ ተራኺቦም ምዝርራቦም ተፈሊጡ።
ብወገን ሰበ ስልጣን ሊብያ ነቲ ንዝመጽእ ዓመት ክኻየድ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫን ምርግጋጽ ሕጊ ምርጫን ድምጺ ዝህቡ ዜጋታት ብዝምልከት ዝዘተዩ ምኳኖም ተሓቢሩ’ሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር ፈይዝ ሲራጅ እቲ ኣብ 2018 ክኻየድ ዝተመደበ ምርጫ ነታ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቀውሲ ሰላማዊ መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል’ዩ ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5
ድሕሪ ልዝብ ሰበ ስልጣን ክልቲኦም ሃገራት ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣልፊኖ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢጣልያ ንሰላምን ምርግጋእ ኢጣልያ ኣብ ዝኻየድ ጻዕርታት ደገፋ ከምትቕጽል ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ንሶም ኢጣልያ ኣብ መጀመርያ ሓድሽ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኤምባሲ ዳግም ከምትኸፍቶ ብምግላጽ “ ዓብይ ወፍሪ” ክብሉ’ውን ኣረዲኦም።