ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ብዘጋጠመ ውሕጅ 44 ሰባት ሞይቶም

Somali region, Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዝናብ ጽድያ ብዘስዓቦ ውሕጅ ልዕሊ 44 ሰባት ምሟቶም እቲ ኽልል ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎኦም እቶም 15 ኣብ መኪና ተሳፊሮም ከለዉ ምስ መኪንኦም ብውሕጅ ዝተወስዱ`ዮም።

እቲ ውሕጅ ብሰንኪ ደርቂ ተዳኺመን ዝነበራ ልዕሊ 19-ሺሕ እንስሳ'ውን ከም ዝቐተለ ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ከባቢ ወሓይዝ ገናለን ዳዋን ዝነብሩ ልዕሊ 31 ሺሕ ስድራቤታት ምፍንቓሎም ዝጠቐሱ ሰበ-ስልጣን ክልል ሶማል፡ ከም ትምህርትን ጥዕናን ዝበሉ ኣገልግሎታት ክቋረጹ ከም ዝገበረ`ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣተሓባባሪ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ክልል ሶማሌ ኣቶ በሽር ኣረብ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብታ ክልል 221 ቀበሌታት ግዳያት`ቲ ውሕጅ ምዃነን ጠቒሱ`ሎ።

ኣብ ክልል ሶምል ዘለዉ ሰለስተ ዓበይቲ ወሓይዝ ማለት ሸበሌ፡ ዳዋ፡ ሊበን ምልኣት ማይ ስለዘጋጠመን ኣብ ከባቢአን ዝነብሩ ክጥቅዑ ክኢሎም ኣለው።

ኣብዚ ዘለናዮ ወርሒ ግንቦት ውሕጅ ዝያዳ ሓይሉ ክቕጽል ከምዝኽእል ትንበያ ኩነታት ኣየር የመልክት ኣሎ ዝበለ ኣቶ በሽር፡ ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ`ዩ ክብል መኺሩ`ሎ።