ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምራኩባ ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ክልተ ህጻናት ሞይቶም

  • በትረ ስልጣን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምራኩባ ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ክልተ ህጻናት ሞይቶም

ብሰንኪ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኡምራኩባ ሱዳን ዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ፣ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣጋጢሙ ኣሎ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ናብ ሎሚ ሓሙስ 4 ግንቦት 2023 ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ከምዝተላዓለን ንብርክት ዝበሉ ተወላዶ ትግራይ ይቕመጥሉ ዝነበሩ ኣባይቲን ስፍራ ዕዳጋ ከምዘባረዐን ንክልተ ህጻናት ከምዝቐተለን ካብ’ቲ ከባቢ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦ ዮናስ ደባልቀው ገሊጹ።

ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ይቅጽል ዘሎ ኲናት ካብ መንግስታዊ ይኹን ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓገዝን ክመጽእ ከምዘይካኣለ’ውን ዮናስ ሓቢሩ ኣሎ።