ኤርትራዊት ፊልም `ሰሎሞን` ኣብ ኣህጉራዊ ፈስቲቫል ፊልም ሂዩስተን ወርቂ ትዕወት

ጸሓፍን ዲይሬክተር ኤፍረም ዓንደማርያም(ጸጋም)፡ፕሮዲሰር ዮዲት ገብሩ(ማእከል)፡ ዋና ተዋሳኢት መረብ እስቲፋኖስ(የማን)

ተሸለምቲ መረብ እስቲፋኖን ፕሮዱሰር ዮዲት ገብሩ

ኣብ ኤርትራ ዝተሰርሔት ‘ሰሎሞን’ ዘርእስታ ፊልም፡ ኣብ`ዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ከተማ ሂዩስተን፡ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ዓለም-ለኻዊ ናይ ፊልም ፈስቲቫል ድሕሪ ምውድዳር፡ ናይ ወርቂ ሽልማት ክትረክብ በቒዓ`ላ።

ኣብ`ቲ ፈስቲቫል ፊልም፡ ካብ ልዕሊ 70 ሃገራት ዝተዋጻኣ ፊልምታት ዝተወዳደራ ክኾና ኸለዋ፡ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ብቕዓት ዝተፈላለየ ሽልማታት ረኺበን ኣለዋ።

ጸሓፍን ዲይሬክተርን`ታ ፊልም ኤፍረም ዓንደማርያም፡ ከምኡ ድማ ዋና ተዋሳኢት`ታ ዝተዓወተት ፊልም መረብ እስቲፋኖስ፡ ምስ ፕሮዲሰር ዮዲት ገብሩ ኣጋይሽ`ዚ መደብ ኮይኖም ቀሪቦም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊት ፊልም `ሰሎሞን` ኣብ ኣህጉራዊ ፈስቲቫል ፊልም ሂዩስተን ወርቂ ትዕወት