ፌስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ

ኣምባሳደር ተስፋኣለም ገራህቱ

ኣብ ኣዳራሻት ሸራተን ሆቴልን ዋሽንግተን ኮንቨንሽን ሰንተርን ክካየድ ዝቐነየ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣርኣያ ደስታን ተረኺቦም ነይሮም። ኣብቲ ፌስቲቫል ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታት፡ ባዛር፡ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ንህሉው ኩነታት ዝምልከት መግለጺታትን ሰሚናራትን ድማ ከምዝተቓንዑ ተሓቢሩ’ሎ።

ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራ ምብራቃዊ ዞባ ኣመሪካ ፡ ናይ ክብሪ ዕዱም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ብሳላ ህዝባ ብኲናት፡ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ፡ ቁጠባዊ ሽርሕታት፡ ሕቶ ዶብን እገዳን ዝኣመሰሉ ሽግራት ከይተጻዕደት ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ከምዝበጽሐት ብምጥቃስ ብዝርካቡ ዓቕምኻ ብዓጸፋ ምስራሕ እዋናዊ መልእኽቲ ናይዚ ተኣትዩ ዘሎ መድረኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ጸገም ከምዘይብላን ይኹንምበር ግጉይ ኣመለኻኽታ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊዚ ናጻ ፖለቲካዊ መስመር ኤርትራ፥ ጸገም ዝምድና ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ምዃኑ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ኣስሚሩሉ።

ብዛዕባ ናይ ዶብ ጉዳይ ምስ ኢትዮጵያ ንምሽምጋል ብኸም ሩስያ፡ ቱርኪ፡ ቐጠር ከምኡውን ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክካየድ ከምዝጸንሐ ዘመልከተ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ፡ ኤርትራ ብዛዕባ ውዱእ ዝኾነ ጉዳይ ዶብ ተመሊሳ እትዘራረበሉ ምኽንያት የብላን ኢሉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣብ ካናዳ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ተኻይዱ ነይሩ። ይኹን’ምበር - ኣብቲ ፌስቲቫል ብርክት ዝበለ ናይ ተቓወሞ ድምጺ ተሰሚዑ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዳምጹ