ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዋሺንግተን ዲሲ፡ ኣብ ርክባት ህዝብታት ዕዙዝ ተራ ከም ዝሕዝ ይግለጽ
Your browser doesn’t support HTML5
ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ብፋላይ ኣብ ርክባት ህዝብታት ዕዙዝ ተራ ከም ዝሕዝ ኣሰናዳእቲ ይገልጹ። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደን ካብ ምሉእ ኣመሪካ ዝመጹ ልዕሊ 20 ሺሕ ሰባት ከም ዝተሳተፍዎን ዝግለጽ ፈስቲቫል፡ ዝተፈላለዩ ባህላውን ትምህርታውን ንጥፈታት ኣተኣናጊዱ ኔሩ።