ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዞባ ምብራቕ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ተኻይዱ

ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዞባ ምብራቕ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን፡ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ውጽእ ኣብ ዝበለ ከባቢ ግዝኣት መሪላንድ ተኻየዱ።

ኣብ`ቲ ብቐዳም ነሓሰ 13 ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ብዶር ወልዳይ ፍጡር ሚንስተር ልምዓትን ወፍርን፡ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ካብ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኣባሳደር መሓመድ ሱሌማን ካብ ኡጋንዳ፡ ካብ`ዚ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ገብርህይወት ዝመርሕዎ ሰሚናራት ተዋሂቡ ።

ኣብ ሙዚቃዊ መዳይ ድማ፡ እሰያስ ደበሳይ ሄለን መለስ፡ በርሀ ጊለ መሸሽ፡ ኣኽሊሉ ፈቶ ካልኦት ናይ`ዚ ኸባቢ ደርፈትን ,ሙዚቀኛታትን ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ክሳብ ሰንበት ምርኢታቶም ከቕርቡ ቐኒዮም።

Isaias Debessay

ኣብ`ቲ ቦታ ዝተረኽበ ተወልደ ወልደገብሬል፡ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፈ`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝነበረ ከቢድ ዋዒ ኩነታት ኣየር፡ ኣብ ምጉዳል ቁጽሪ ተሳተፍቲ ተራ ከምዝነበሮ ይገልጽ።

እቲ ቦታ ክፉት መናፈሻ ቦታ ብምዃኑ ነታ ርእስኻ ትሰብር ጸሓይን ስጋኻ ዝጠብስ ሂምዲታን ሕሉፍ ተጸዋርነት ይሓትት። ብዝኮነ ኣብ`ቲ ጻሕ ዝበለ ጎልጎልን ኮረብታማ ቦታን ተደኩነን ዝነበራ ቁሸታት መጽለሊ ቴንዳታት ስለዝነበረን ብመጠኑ ንጸሓይስ ይከላኸላ ኔረን፡ ንትሽዓተ ብሄራት ኤርትራ ዝውክላ ቁሸታት`የን።

ኣብ`ቲ ሰሚናራትን ሳዕሲዒትን ዝካየደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ግን፡ እቲ መጽለሊ ዚንጎ ግዲ ረሲኑስ ዝያዳ ዝጠብሰካ ኮይኑ`ዩ ዝስማዓካ። ብርቱዕ ሃሩር ለንቅነ ኣብ`ታ ፈስቲቫል ዘተኣናገደት ክራውስቪል ትብሃል ከተማ ጥራይ ኣይኮነን ዝነበረ።

ኣብ ምሉእ`ዚ ዞባ ምብራቕ ወቕቱ`ዩ፡ ብዝኾነ ግን ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣመሪካ ዞባ ምብራቕ ኣብ`ቲ Anne Arundel county Fairgrounds ዝተባህለ ሰፊሕ ናይ መዘናግዒን መራኸብን ቦታ ክካየድ ንመጀምርያ ኣይኮነን፡ እዚ ንሳልሳይ ግዚኡ`ዩ። ምስ`ዚ ዝሓለፈ ብምውድዳር ኢና እምበኣር ሃሩር ልንቅነ ኣብ ምጉዳል ተሳተፍቲ ተራ ኔርዎ ይኸውን ክንብል ንኽእል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዞባ ምብራቕ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ተኻይዱ