ኤርትራዊት ጀርመናዊት ፍናን ኣተወብርሃን ኣሰልጣኒት ጋንታ ኩዕሶ ስኪዔት ርዋንዳ

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊት ጀርመናዊት ፍናን ኣተወብርሃን ተሓጋጋዚት ኣሰልጣኒት ጋንታ ኩዕሶ ስኪዔት ደቂ ተባዕትዮ ኪጋሊ ታይገርስ'ያ። ፍናን ነዛ ጋንታ ኪጋሊ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ተሰልጥን ዘላ ክትከውን ከላ ኩዕሶ ስኪዔት ግን ካብ ንእስነታ ጀሚራ ትጻወት ከምዝነበረትን ንሞያ ኣሰልጣኒነት ድማ ጓል 16 ዓመት ኮይና ከምዝጀመረቶ ትገልጽ።