ምላሽ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩነታት አላማጣ

Your browser doesn’t support HTML5

ምላሽ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩነታት አላማጣ

ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ምኽትል ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ብልፅግናን ኣቶ ኣደም ፋራሕ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ደቡብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ዝተፈጠረ ኩናታት ኣመልኪቶም ምስ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት “ሕቶ ይግበኣኒ ዝለዓለሎም ከባቢታት ብሕጋዊ፣ ሰላማዊን ውሳነ ህዝብን ዝረጋገፀሉ ኣገባብ ንምፍታሕ ተደጋጋሚ ዘተታት ከምዝተገብረሉን አብ ስምምዕ ዝተበፅሐን ከምምዃኑ መጠን ንመምርሕታት እቲ ስምምዕ ምኽባር አገዳሲ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም ብመሰረት እቲ ስምምዕ ፌደራል መንግስቲ ንትግባርኡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ የሳልጥ ምህላው ብምግላፅ ካብዚ ወፃኢ ዝግበር ጎንፅን ፅሕተራን ፈፂሙ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ኩሎም ኣካላት ክርድእዎን ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ምጥሓስ ምዃኑን ብምርዳእ አብ መድረክ ይኹን አብ ትግባርኡ ነዚ ስምምዕ ዝጥሕስ ኮነ ዕለታዊ ሰላምን መነባብሮን ህዝቢ ዝርብሽ ተግባራት ካብ ምፍፃም ክቁጠቡ ኣተሓሳሲቦም።