ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብተግባር ግብረ ሽበራ ዝተኸሱ 19 ሰባት ናይ ማእሰርቲ ውሳነ ኣሕሊፉ

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ገብረ ገብረመድህን
ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ብተግባር ግብረ ሽበራ ዝተኸሱ 19 ሰባት ካብ ኣርባዕተ ዓመትን ሓሙሽተ ኣዋርሕን ክሳብ ሓሙሽተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ወሲኑ።

እኒ ከዲር መሓመድ ብዝብል ሽም ኣብ ዝፍለጥ መዝገብ ዝተኸሱ 19 ተኸሰስቲ ንምክልኻል ፍቓደኛ ከይኮኑ ምስተረፉ እዩ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ገበነኛነት ውሳነ ዝወሰነሎም።ጠበቕኦም ግን ይግባይ ክንብል ኢና ኢሎም ኣለው።

ኣቶ ኻሊድ መሓመድን ኣቶ ዳርሰማ ሶሪን ዝተባህሉ ጋዜጠኛታት ሓዊሱ እኒ ኣቶ ከዲር መሓመድ ብዝብል ዝፍለጥ መዝገብ ኽሲ ኣብ ልዕሊ 19 ተጠርጠርቲ ምስ ኣርበኛች ግንቦት ሸውዓተን ምስ ካልኦት ፀረ ሰላም ሓይልታትን ተራኺብኩምን እስላማዊ መንግስቲ ንምምስራት ምስ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ተሓባቢርኩምን ብዝብል ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ወርሒ ሓምለ 2007 ዓ.ም ብተግባራት ግብረ ሽበራ ምኽሳሱ ይዝኸር።

18 ሰባት ነፍሲ ወከፎም ሓሙሽተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ሓደ ድማ ኣርባዕተ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ተፈሪዱዎ ኣሎ።

ካብቶም ጠበቓታት ሓደ ኣቶ ሙስጠፋ ሽፋ ሱሌይማን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዓማዊሎም ብዓቃቢ ሕጊ ንዝቐረቦም ክሲ ከይተኸላኸሉ እዩ ፍርዲ ተዋሂቡ ዘሎ፤ኣይንከላኸልን ዝበልሉ ምኽንያት ድማ እምነት ስለዘይብሎም እዩ ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብተግባር ግብረ ሽበራ ዝተኸሱ 19 ሰባት ናይ ማእሰርቲ ውሳነ ኣሕሊፉ