40 ሽሕ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛት ኣብ እስራኤል ሓደጋ ጥረዛ ኣንጸላልይዎም ኣሎ

ስደተኛታት ኣብ ሆሎት እስራኤል

እስራኤል ንረቂቕ ምጥራዝ ስደተኛታት ድሕሪ ምጽዳቓ ዕጻ 40 ሽሕ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።

ካቢነ እስራኤል ነቲ ኣብ ርሑቕ ስፍራ ዝተኸፈተ መዓስከር ስዱዳት ሆሎት ኣብ በረኻ ኔጌቭ ንክዕጾ ወሲኑ'ሎ። መዓስከር ስዱዳት ሆሎት ኣሻሓት ኣፍሪቃዊያን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዘዕቆበን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክዕጾን'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

መብዛሕተኦም ካብ ድኻ ሃገራትን ብኹናት ዝተሃሰያን ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ካብ ኤርትራን ሱዳንን፣ ንበረኻ ሲና ግብጺ ሰጊሮም ብደቡባዊ ዶብ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ዝኣተው'ዮም።

እቶም ስደተኛታት እንተኾኑ ፖለቲካዊ ጽግዕተኛነት ዘድልየና ስደተኛታት ኢና'ዮም ዝብሉ። እስራኤል ግና መብዛሕተኦም ቑጠባዊ ስደተኛታት ገሊኦም ድማ ሰሊኾም ዝኣተውና' ኢላ'ያ ትገልጾም።