ምንቅስቓስ ፋኖ ብኣባላቱ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ቅትለት ሰሜን ሸዋ ይነጽግ

ምንቅስቓስ ፋኖ ብኣባላቱ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ምስልታት ቅትለት ነጺጉ። እዚ ኣብ ሰሜን ሸዋ ናይ ክልል ኦሮሚያ ተፈጺሙ ዝብሃል ኣሰቃቒ ቅትለት፡ ካብ ፈደራልን ክልላዊን መንግስታት ተሪር ግብረ-መልሲ ኣስዒቡ’ዩ።

ጋዜጠኛ ነበር እስክንድር ነጋ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ሚሊሻ ፋኖ ኣምሓራ ምዃኑ’ዩ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ። ንድሕነቱ ዝርከቦ ስፍራ ከካፍል ፍቓደኛ ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘውር ዝቐነየ ምስልታትን ነቲ ተግባርን ኣትሪሩ ብምዅናን፡“እወ ነቲ ቪድዮ ርእየዮ’የ። እንተዀነ ፋኖ ኣብዚ ባርባራዊ ተግባር ኢድ የብሉን።”

ኣብ ቀረባ እዋን ክዘውር ዝቐነየ ክልተ ሓጸርቲ ቪድዮታት ብዘሰቅቕ መንገዲ ተኣሲሮም ንማሕረድቲ ክፈራርሑ የርኢ። ድምጺ ኣመሪካ ዝረኸቦም ስድራቤት ካብቶም ኣብቲ ቪድዮ ዝርኣዩ፡ ወዶም ከም ዝተቐትለ ንድምጺ ኣመሪካ ነጊሮም ነይሮም። እንተዀነ እቲ ቪድዮ ኣበይን መዓስን ከም ዝተቐርጸ ድምጺ ኣመሪካ ኣነጺሩ ክፈልጥ ኣይከኣለን።

እስክንድር ነጋ ወሲኹ “ካብ ፈለማኡ ኣንጻር መንግስቲ ፈደራል ዘቃልሰና ዘሎ ነዚ ዝመስል ኣሰቃቒ ግፍዕታት ንምቅዋምን ደው ንምባልን’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዝመስል ባራባራዊ ግፍዕታት ብቐንዱ ድም ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ከጋጥም ርኢና ኢና። ስለዚ እዚ ሓድሽ ኣይኰነን። ዓበይቲ ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን መራኸቢ ብዙሃንን’ውን ብሕልፊ ኣብ ክልል ኦሮሞያ ንዘጋጠመ ጸብጺበንኦ’የን።”

ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚንስተር መራኸቢታትን ለገሰ ቱሉ፡ ነቲ “ባርባራዊ” ኢሉ ዝጸውዖ ተግባራት ብትሪ ኰኒኑ ነይሩ። እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ “ከምዚ ዝመስል ዘይጽወር ተግባራት ብዝበርትዐ ክኹነን ኣለዎ፡” ክብል ጸሒፉ። ክልላዊ ቴለቪዥን ኦሮሚያ’ውን ነቲ ኣብ ሰላለ-ደራ ተፈጺሙ ዝበሎ ቅትለት ብምዅናን፡ ፈጸምቱ እቶም “ጽንፈኛታት” ኢሉ ዝጸውዖም ዕጡቓት ፋኖ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ርእይቶ እስክንድር ነጋ ግን ብኣንጻሩ’ዩ።

“ሓደ ተመሳሳሊ ኣገባብ ኣሎ። ነቶም ተግባራት ብቐረባ እንተተኸታቲልናዮም፡ ፈጸምቱ ሰራዊት መንግስቲ ምዃኖም ዘመልክት’ዩ። ሎሚ ፈለማኡ ኣይኰነን ከምዚ ዝመስል ተግባራት ክፍጸም። ነዚ ክብል እንከለኹ ግን ካብ ሃውሪ ነቒለ ኣይኰነኩን። ብክኢላታት ዝተገብረ ፎረንሲካዊ መጽናዕቲ’ውን ኣሎ። መንግስቲ ድማ ድሕሪ ንፕሮፓጋንዳ ክጥዕም ብፋኖ ተፈጺሙ ኣሎ ይኸስስ።”

እስክንድር ኣብ መግለጺኡ ነቲ ዝዛርብ ዘሎ ቪድዮ ከም ዝርኣዮ እኳ እንተ ገለጸ፡ እንተዀነ ደቂቕ መርመራ ተገይሩ ውጽኢት ወግዓዊ ክሳብ ዝኸውን ክጽበ ከም ዝመርጽ ጠቒሱ።

ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብቐንዱ ድማ ወሃብ-ቃል ለገሰ ቱሉ፤ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራን መብርሂ ንምስማዕ ዝገብሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይቀንዖን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ምንቅስቓስ ፋኖ ብኣባላቱ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ቅትለት ሰሜን ሸዋ ይነጽግ