ፃዕርን ውፅኢትን ውጥን ስድራ-ቤት ኣብ ትግራይ

  • ግርማይ ገብሩ

ወይዘሮ ካመራ መሓመድ

ኣብ ክልል ትግራይ ንውጥን ቁፅሪ ኣባላት ስድራ ብመርፍእ ዝውሰድ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ተመራፂ ኰይኑ'ሎ።

ወይዘሮ ካመራ መሓመድ ኣብ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ሓድነት መራሒት ልምዓት ጉጅለ ብምዃን ይሰርሓ። ወይዘሮ ካመራ ደቂ-ኣንስትዮ እቲ ጣብያ መከላኸሊ ጥንሲ መርፍእ ንኽጥቀማ ይምዕዳን ኣገልግሎት ይህባን።

ሓንቲ ካብተን ተጠቀምቲ ወይዘሮ ብርሃን 8 ቆልዑ ምስወለዳ ዓቐን ዝሓለፎ ብዝሒ ቆልዑ ፀገም ኰይኑ ስለዝሃሰየን ካብ ደጊም ካብ ምውላድ ተሓሪመን ነቶም ዝተወለዱ ኣብ ምዕባይን ምምሃርን ከምዝወፈራ ይገልፃ።

ነባሪ እቲ ጣብያ ኣይተ ገብረህይወት ገብረስላሰ ብወገኖም ደቀተባዕትዮ’ውን ረብሓ ምምጣን ስድራ ብግቡእ ተረዲኦም ምስ ሰብ ሓዳሮም ይመኽሩን ደቂ- ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ንኽጥቀማ ይሕግዙ ምህላዎም ይምስክሩ።

ኣብቲ ጣብያ ሓንቲ ኣደ ብማእኸላይ 11 ቆልዑ ከምትወልድ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፃዕርን ውፅኢትን ውጥን ስድራ-ቤት ኣብ ትግራይ