ማሕበር መምርሒ ስድራ ቤት ኢትዮጲያ ግልጋሎት ተዋልዶ ጥዕና ይህብ

መደብ ጥዕና

ማሕበር መምርሒ ስድራ ቤት ኢትዮጲያ ኣብ ዙርያ ተዋልዶ ጥዕና ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ:: ኣብቲ ትካል ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጲያ ወይዘሮ ኣፀደ በየነ ኣብ ከተማን ገጠርን ዝስራሕ ዘሎ ውራይ ተዋልዶ ጥዕና ይገልፃ::

ማሕበር መምርሒ ስድራ ቤት ኢትዮጲያ ግልጋሎት ስነ ተዋልዶ እንትጅምር እንተሎ ኣብ ምጣነ ስድራ ጠሚቱ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ምሉእ ግልጋሎት ተዋልዶ ጥዕና ኣብ ምሃብ ይርከብ::

“ግልጋሎት ተዋልዶ ጥዕና እንትንብል ንምክልኻል ኤች ኣይቪ ኤይድስ ሓዊሱ ብዋናነት ኣብ ሓለዋ ጥዕና ኣዴታት ዝምልከት ኮይኑ ትምህርታዊ ግልጋሎት እውን የካትት” ይብላ ወይዘሮ ኣፀደ ::

እቲ ትካል ንድኻታት ብናጻ ዳሓን እቶት ንዘለዎም ድማ ውሱን ክፍሊት ብምሕታት ግልጋሎት ይህብ::

ማሕበር መምርሒ ስድራ ቤት ኢትዮጲያ ኣብ ከተማ መቐለ ሓደ ዓብይ ማእኸል ጥዕና ዝሃነፀ እንትኾን ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ኣብ 12 ማእኸላት መናእሰይ፣ ኣብ ኩለን ዞባታትን ኣብ ሰላሳ ወረዳታት እቲ ክልል ይሰርሕ::