ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ዓይነት ባርኖስ ከምዝኣተወ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዘፍለጡ ክኾኑ ኸለዉ፡ እቲ ሓዲሽ ዓይነት ባርኖስ፡ ኣብ ሽዱሽተ ክልላት ኢትዮጵያ ከምዝተራእየ ዝገለጸ ሚንስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ሓሰኻ ንዕፉንን መሸላን ዝያዳ ከምዘጥቅዕ ኣፍሊጡ`ሎ።
ዋሽንግተን —
ኣብ ኤርትራ`ውን ብዛዕባ ሓደጋ `ቲ ባልዕ ሓሰኻ መግለጺ ዘውጸአ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ፡ እቲ ካብ ሃገራት ኣሜሪካ ተበጊሱ ብሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣቢሉ ናብ ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ይስፋሕፋሕ ኣሎ ዝበሎ ባርኖስ፡ ናብ ኢትዮጵያ`ውን ስለዝኣተወ ናብ ኤርትራ ናይ ምእታው ዕድሉ ዓቢ`ዩ ድሕሪ ምባል ሓረስቶት ዕቱብ ምክትታት ክገብሩ ጸውዑ`ሎ።
ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ሓሰኻ ኣብ ምክልኻል ህዝቢ ክረባረብ ዓዲሙ`ሎ።
`ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ (Fall Armyworms) ኣብ ገለ ከባቢታት ኣሜሪካን ደቡብ ኣሜሪካ ዝፍለጥ ሓሰኻ `ዩ ::
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ዓይነት ባርኖስ ኣትዩ