መግለጺ ኢዜማን ምላሽ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ራያ አላማጣ

Your browser doesn’t support HTML5

መግለጺ ኢዜማን ምላሽ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ራያ አላማጣ

"ዕጥቑ ዘይፈትሐ ህወሓት፣ ነገር ፃሕታራይ ኣካይዳ ይኽተል ኣሎ" ብምባል፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ከሲሱ። "ፌደራል መንግስቲብመሰረት ስምምዕነት ሰላም፣ ንህወሓት ዕጥቑ ንክፈትሕ ብምግባር፣ ሕግን ስርዓትን ከኽብር ኣለዎ" ዝበለ ኢዜማ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ንኹነታት ራያ ኣላማጣ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ'ዩ።

ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ኣመልኪቱ ንድምፂ ኣመሪካ ምላሽ ዝሃቡ ኣብ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት ሓላፊ ክፍሊ ፕሮፓጋንዳ ኣይተ ኢያሱ ተስፋይ ብወገኖም "ህወሓት፣ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሰላማዊ መንገዲ ዝንቀሳቐስ እዩ"ኢሎም። ኢዜማ ብመሰረት ስምምዕ ይፍፀም ንዘሎ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ስለዘይቕበሎ፣ ንምትዕንቓፍ እዩ ንህወሓት ይኸስስ ዘሎ ክብሉ'ውን ወሲኾም ምላሽ ሂቦም።