ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ብዓይኒ በዓል ሞያ ሕጊ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ብዓይኒ በዓል ሞያ ሕጊ

ሰኑይ 20 ጥሪ ቃለ-መሓላ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኢምግረሽን ዝምልከት ክልተ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት ፈሪሙ`ሎ። ካብ መንጉኡ፡ ዶብ ሰጊሮም ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታት ብኣልማማ ዝሰጉግ መምርሒ ዝርከቦ ትእዛዝ ክኸውን ከሎ፡

ንዝቕፅል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ`ውን ትእዛዝ ኣሕሊፉ`ሎ። ከምኡ'ውን እቲ `ወልካም-ኮርፕስ` ዝብሃል ብጉጅለ ሓሙሽተ ዝፍለጥ፡ሓዲሽ ፕሮግራም-ምምዋል ስደተኛታት ደው ከምዝበለ ይግለጽ ኣሎ።