ሸሞንተ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ንጉዳይ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ሓደ ንድፊ ኣቕሪቦም

ኣብ ጉዳይ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዲሞክራስን ላዕለዋይ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ገለ ካብ ኣብ ፓርላማ ኣውሮጳ ዝቐረቡ ዛዕባታት ኮይኖም፡ ሓደ ጉጅለ አባላት’ቲ ፓርላማ ድማ ነቲ ዛዕባ ስዒቡ ሓደ ንድፈ- ውሳነ አቕሪቡ`ሎ።

እዚ ብሸሞንተ አባላት ፓርላማ ኣውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኤርትራ ዝምልከት ዝቐረበ ረቒቅ፡ ብዛዕባ ዘይምትግባር ሕገ መንግስቲ ፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ሰበ ስልጣን ዝነበሩን ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን አቡነ አንጦንዮስን ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ሓዊሱ ብዛዕባ ጉዳይ እሱራት ኣብታ ሃገር ጠቒሱ’ሎ።

አባላት ፓርላማ አውሮጳ እንተነጸግዎ’ኳ ሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ 200 ሚልዮን ዩሮ ንልምዓት ምሃብ ምውሳና’ውን ጠቂሱ።

እቲ ረቒቅ ውሳነ ብተወሳኺ ጉዳይ ስደተኛታት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣልዒሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሸሞንተ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ንጉዳይ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ሓደ ንድፊ ኣቕሪቦም