ሚ/ጉ/ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ምትኣኽኻብ ሓገዝ

  • ዜና ቪኦኤ

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንጪ ግጭታት ትኹረት ሂቡ ንምስራሕ ነቲ ብገበርቲ ሰናይ ዝተሓተተ ከተግብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ካብቲ ኣብ ጀነቫ ዝተቓንዐ ምትእኽኻብ ሓገዝ፡ እኹል ሓገዝ ከም ዘይተረኸበ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ፡ እንተኾነ ዓይነተኛ ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ድጋፍ ከም ዝተረኽበ ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ጀነቫ ዝተኣከቡ ወሃብቲ ሓገዝ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንጠንቂ ህውከትን ግጭትን ንምፍታሕ ምስቶም ገበርቲ ሰናይ ክተሓባበር ምዃኑ ቃል ምእታዉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድሕሪ`ቲ ዋዕላ መግለጺ ዘውጽአ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዝቐጸለ ግጭትን በደልን ንተወሳኺ ህዝቢ ምፍንቓል ምኽንያት ምዃኑ ኣተሓሳሲቡኒ`ሎ።

ኣብቲ ዝተገብረ ምትእኽኻብ ገንዘብ፡ ንኢትዮጵያ ዘድሊ ናይ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ዝውዕል ሓደ ቢልየን ዶላር ንምትእኽኻብ እንተነበረ`ኳ፡ ካብ መንጉኡ 630- ሚልየን ዶላር ጥራሕ`ዩ ቃል ተኣትዩሉ ዘሎ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን፡ ዓለም ካልእ ዋጢጥ ስለዝበዝሖ`ዩ ዝብል ምኽንያት ሂቡሉ`ሎ።