ሕብረት አውሮጳ 200 ሚሊዮን ይሮ ሓገዝ ንኤርትራ ከምዝህብ ገሊጹ

ሕብረት አውሮጳ ሎሚ አብ ዘውጽኦ መግለጺ ንምጉዳል ድኽነትን ንማህበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምዕባለ ዝውዕል 200 ሚሊዮን ይሮ ሓገዝ ንኤርትራ ከምዝህብ ገሊጹ። እቲ ሓገዝ አብ መበል 11 ናይ አውሮጳ ናይ ምዕባለ ፈንድ መደብ ዝተጠቓለለ ኾይኑ አብ ነዊሕ ናይ ግዜ ገደብ ዝወሃብ ምዃኑ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

ሕብረት አውሮጳ ነቲ ሓገዝ አብ ትሕቲ ሃገራዊ ሓባሪ ፕሮግራም ክሳብ 2020 ዓ.ም.ፈ ዝወሃብ ኮይኑ አብ ክልተ ዓውድታት- ጸዓትን ምሕደራ ከምዘተኹር ሓቢሩ’ሎ። እቲ ፕሮግራም ደገፍ ኩለን 28 ሃገራት አባል'ቲ ሕብረት ከምዝረኸበ’ውን አፍሊጡ’ሎ።

ነዚ ዝገለጹ ኮሚሽነር ዓለም-ለኸ ምትሕግጋዝን ምዕባለን አብ ሕብረት አውሮጳ ነቨን ሚምካ ‘ሕብረት አውሮጳ ንምዕባለን ንምጉዳል ድኽነትን ዝዓለመ ሓገዝ ንዘድልዮ ኩሉ ሓገዝ ከምዝህብ፡ አብ ኤርትራ ድማ አብቲ ሕብረተሰብ ለውጢ ከምጽእ አብ ዝኽእል ምፍጣር ዕድል ስራሕን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ዝኣመሰሉ ዓውድታት እቲ ሓገዝ ከምዝውዕልን ኣብዚ ጉዳይ ኸኣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተሰማምዑ’ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሕብረት አውሮጳ ድኽነት ካብ ኤርትራ ንምቕራፍ ዝውዕል ሓገዝ ከምዝህብ አፍሊጡ