ሕብረት አውሮጳ 100,000 ማእኸላት መቐበሊ ስደተኛታት ክሰርሕ'የ ኢሉ

ሕብረት አውሮጳ:ግሪኽን ሃገራት ምብራቕ አውሮጳን ንዘለወን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቅላል 100,000 ማእከላት መቀበሊ ስደተኛታት አብ ግሪኽን አብ መስመር ሃገራት ባልካን ከምዘስርሕ አፍሊጡ።

ፕሬዝደንት ኮሚሽን ሕብረት አውሮፓ ዥን ክላውድ ጃንከር ሎሚ ንግሆ ነዚ ዝገለጸ ድሕሪ'ቲ አብ ብራስልስ ምስ ቻንስለር ጀርመን አንጀላ መርከል ወሲኹ መራሕቲ ሓያላን ሃገራትን ሕብረት አውሮጳን ሃገራት ሕብረት አውሮጳን ምብራቕ አውሮጳን ዝተኻየደ ህጹጽ አኼባ'ዩ። 50 ሽሕ አብ ግሪኽ 50 ሽሕ ከአ አብ መላእ ባልካን ማእከላት መቀበሊ ስደተኛታት ከምዝስራሕ'ውን ገሊጾም።