ናብ ኤርትራ ተጨዊዮም ዝነበሩ ብሰላም ተመሊሶም ይብል ሚኒስትሪ ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ከባቢ ሑመራ ናብ ኤርትራ ተጨዊዮም ዝተብሃሉ ኢትዮጵያዊያን ናብ ዓዶም ብሰላም ተመሊሶም ክብል ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ መቐለ ዝርከብ ድምጺ ወያነ ብወገኑ እቶም ዝተመልሱ 32 ምዃኖም ጠቒሱ’ሎ።ንቪኦኤ ዝተዛረቡ ወሃቢ ቃል ዓረና ትግራይ ብወገኖም እቶም ዝተጨውዩ 85 ምንባሮምን እዞም ተመሊሶም ዝብሃሉ እውን ሓቅነቱ ምርግጋጽ ከምዘይተኽኣለን ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ናብ ኤርትራ ተጨዊዮም ዝነበሩ ብሰላም ተመሊሶም ይብል ሚኒስትሪ ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ