74 ኢትዮጵያዊያን ካብ ታንዛንያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኣብ ታንዛኒያ ተታሒዞም ዝነበሩ 74 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ምሕጋዙ ኣፍሊጡ።እቲ ስራሕ ናይ ብዙሓት ወገናት ምትሕብባር ዝሓትት ምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት እቲ ትካል ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ንሃገራት የተሓባብር ከምዘሎ ወሲኹ ገሊፁ’ሎ።

ብሓገዝ እቲ ዓለምለኸ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ታንዛኒያ ናብ ሃገሮም ካብ ዝተመለሱ 74 ኢትዮጵያ እቶም 21 ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ ይብል ፀብፃብ መለስካቸው ኣምሃ።

Your browser doesn’t support HTML5

74 ኢትዮጵያዊያን ካብ ታንዛንያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም