ክትዕ ኢትዮጵያዊያን ብዛዕባ ሓድሽ መራሒኦም ሎሚ'ውን ቀጺሉ ኣሎ

PM Abyi Ahmed

ሓድሽ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዘስምዕዎ መደረ ሹመት ብኩሉ ዜጋ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣብ ዝመስለሉ እዋን ካብ ትግራይ ግና ሕውስዋስ ሪኢቶታት ይቃልሑ።

ኣቦ መንበር ፓርቲ ዓረና ትግራይን ኣብ ዩኒኒቨርስቲ መቐለ ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለም ለኸ ዝምድናታትን ዝምህር ኣብራሃ ደስታ 'ኢትዮጵያዊ መንጸፍ ዘለዎ ጽቡቕ ዘረባ' ኢሉ ክገልጾ ከሎ፣ ጋዜጠኛን ደራሲን ሃይላይ ሓድጉ ብወገኑ 'ንሰላማዊያን ተቓወምቲ ዝገለጽሉ ቃላት ክብሪ ዘውህቦም ኮይኑ'የ ረኺበዮ' በለ።

ኣብ ዩኒቭርሲቲ መቐለ መምህር ክፍሊ ሕጊ ዝኾነ የማነ ካሳ 'ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ህዝቢታት ኢትዮጵያ (ኢህወዴግ) ዝተዓወትሉ ኣገባብ ናይ'ቲ ግንባር ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ዝጎልበተ ንምዃኑ ሓባሪ'ዩ' ኢሉ ይገልጾ።

Your browser doesn’t support HTML5

ክትዕ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ልዕሊ ሹመት ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ (1ይ ክፋል)