ኣብ ሊቢያ ተጨውዮም ዝነበሩ 30 ኢትዮጵያዊያን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

Ethiopia Opposition Rethinks Election Campaign After Candidate Killed

እስላማዊ መንግስቲ ከጣይሽ እየ ዝብል ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ዝፈፀሞ ግፍዒ ስዒቡ ኣብ ስግኣት ድሕነት ወዲቖም ዝነበሩ ተወሰኽቲ 30 ኢትዮጵያዊያን ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

Your browser doesn’t support HTML5

Ethiopia Egypt Libya-desktop

ግብፅን ሱዳንን ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃግሮም ክምለሱ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ምግባሮ ዝተገለፀ እንትኸውን ኣብ ሊቢያ ብዕጡቓት ተጨውዮም ንዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ንምውፃእ መንግስቲ ግብፂ ንዝገበሮ ፃዕሪ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደላኝ ንናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ኤል-ሲሲ ስልኪ ብምድዋል ምስጋና ከምዘቕረቡሎም ንመግለፂ ፕሬዝዳንታዊ ቤት ፅሕፈት ግብፂ ብምጥቓስ ኣሕራም ኦንላይን ፀብፂባላ።

ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ / ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ንዝተመለሱ ኣቀባብላ ገይሮምሎም ኣለው።

እዞም ዜጋታት ናብ ሃገሮም ዝኣተው ኣጋር መንግስታት ብዝገበሩሎም ሓገዝ ምዃኑ / ቴድሮስ ኣድሓኖም ንናይ ኢትዮጵያ ብሪድካስቲንግ ኮርፐረሽን ገሊፆም ኣለው።’’ ኣብዚ ስርሒት እዚ ናይ ግብፂ፣ናይ ሱዳንን ናይ ሊቢያን መንግስታት ሓጊዞምና እዮም’’ኢሎም።

እዞም ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው 30 ኢትዮጵያዊያን ካብ ሊቢያ ናብ ግብፂ ትማሊ ሓሙስ ዝኣተው እዮም።

ንናይ ኢትዮጵያ ብሪድካስቲንግ ኮርፖረሽን ሪኢቱኦም ዝሃቡ ሓድ ሓደ ተመለስቲ ተኣሲሮም ኣብዝነበርሉ እዋን ኣብዝለዓለ ስግኣት ምፅንሖም ይገልፁ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ስቓይ ነይሩና ዝበለ ሓደ ወሃቢ ሪኢቶ ተታሒዝናሉ ዝነበርና ቦታ ይኹን መን ከምዝሓዘና ኣይንፈልጥን ነይርና ኢሉ።ምስ ምንስቴር ወፃኢ ድሕሪ ምርኻብና ኢና ኣብ ኢድ መንግስቲ ምህላውና ዝፈልጥና ኢሉ ብምስዓብ።

ብቕድሚ ትማሊ ዝኣተው 11 ሓዊሱ ካብ ሊቢያ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኢትዮጵያዊያን 41 እዮም።