ስደተኛታት መዓስከር ዳዳብ ውሳኔ መንግስቲ ኬንያ ከምዘሻቅሎም ይሕብሩ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ን300 ሺሕ ስደተኛታት ምዕቓቡ ካብዚኣቶም ድማ 12 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ምኻኖም ኣብ ሕ/ሃ ኮሚሽን ስደተኛታት ሓቢሩ።
መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝዓጽዎ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።ኣብቲ መዓስከር ተዓቑቦም ዝጸንሑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት መንግስቲ ነቲ መዓስከር ክዓጽዎ ምዃኑ ከምዝገለጸሎም ይሕብሩ። እዚ ድማ ኣብ መነባብርኦም ዓብይ ጽልዋ ከምዘሕደረ ይሕብሩ።