ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ቤት ትምህርቲ ሰብኣውነት ከፊቱ
Your browser doesn’t support HTML5
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ግጭትን ዘስዕቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሰብኣውነት ቤት ትምህርቲ ንምኽፋት መበገሲ ከምዝኾኖ፣ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣቶ ኣበራ ቶላ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ዲን እቲ ቤት ትምህርቲ ዶ/ር ደመቀ ኣቺሶ ብወገኖም፡ እቲ ትካል ህዝብታት ሓቢሮም ብሰላም ንኽነብሩ ዘኽእል ኣተሓሳስባ ክምዕብል ከምዝሕግዝ ኣረዲኦም።